እዋናዊ ዛዕባ ሓድሽ “ወሰኽ” ደሞዝን ሰሙናዊ ምዕባለታትን

እዋናዊ ዛዕባ ሓድሽ “ወሰኽ” ደሞዝን ሰሙናዊ ምዕባለታትን

ብ22 ጥቅምቲ 2016 ብዛዕባ “ብወኪል ፕረሲዳንት ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ኩለን ኣካላት መንግስትን ሓይልታት ምክልኻልን ዝተዘርገሐ ትሕዝቶ ስርኩላራት ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ” ዝምልከት ሓደ ጽሑፍ ፈንየልኩም ነይረ፡፡ ብውጽኢቱ ከኣ ዳርጋ ካብ መላእ ዓለም ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ሰዲድኩምለይ፡፡

ሎሚ ነቲ ንሓይሊ ኣየር ኣመልኪተ ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ኣወንዚፈ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ንወሰኽ ሓድሽ ደሞዙን ቀጻሊ ምዕባለታቱን ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ይፍንወልኩም፡፡ ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ መቐጸልታ ብሉይ መጽብዓታትን ሽጣራታትን ህግደፍ ዝኾነ፡ ናይ ተዋስኦ “ወሰኽ ደሞዝ” ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተገይሩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ብስም “ወሰኽ” ዝተግሃደ ምምንጣል ደሞዝ ምኻኑ ተፈሊጡ፡፡ ኩሉ ንዓመታት ዓቕሊ ጌሩ ካብ 600 ክሳብ 1200 ናቕፋ ክወስድ ዝጸንሐ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል “ክንዲዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ” ከምዝብሉዎ ለባማት፡ ደሞዝካ ብሰለስተ ዕጽፊ “ወሲኹ” ከምዘይብሃለ ኣብ ቋሕ ሰም “ኣብ ኢድካ 280 ናቕፋ ክትወስድ ኢኻ” ምስተብሃለ “ነድሪን ሕርቃን” ዝብላ ቃላት ቋንቋ ትግርኛ ዘይገልጸኦ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ታሪኽ ሓይልታት ምክልኻል ተራኢዩ ዘይፍልጥ ኣዚዩ ዘሰንብድ ምዕዝምዛማት፡ ሕቶተትን ተሪር ተቓዉሞታትን ሰራዊት ይረአ ኣሎ፡፡

ዳርጋ ኩሎም ኣጋር ሰራዊት፡ ኣባላት ሞቶራይዝድን ሜካናይዝድ ኣሃዱታት፡ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባታት ተመሳሳሊ ፍጻመታት ይረአ ኣሎ፡፡ ፈለማ ንሰርኩላራት ወሰኽ ደሞዝ ኣመልኪቶም ብደረጃ ክ/ሰራዊት ክካየዱ ዝጸንሑ ኣኼባታት ብሰንኪ ዝሰዓበ ተሪር ቁጠዐን ተቓዉሞታትን “ብቕልጡፍ ንምቁጽጻር ክጥዕም” ካብ ደረጃ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ጥራይ ክካየድ ህጸጽ መምርሒ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ብደረጃ ክፍለ ሰራዊትን ብርጌድን ብዙሓት ኣባላት ዝሳተፍሉ ኣኼባታት ተኸልኪሉ፡ ናብ ደረጃ ቦጦሎኒን ሓይልን ምስወረደ እውን ቁጠዐን ነድሪን ሰራዊት ዚያዳ ተነሃሂሩ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ኣሎ፡፡ ብምስምስ “ወሰኽ” ዝተገሃደ ደሞዝ ሰራዊት ዘይልሙድ ሳዕቤናት ኣስዒቡ ተራን ኣዛዚን ናብ ሓድ ህርመት ሸሚሙ ኩሉ ዘንጸርጽረሉን ኣንጻር እቲ “ስርዓት” ደው ዝብለሉ ህሞት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እዚ እዋናዊ “ሓድነት ኣባላት ሰራዊት” ብግቡእ እንተተመዝሚዙ ገለ ተርእዮታት ከስዕብ ስለዝኽእል፡ ብኣግኡ ንምቑጻይ በዓል ፍሊጶስን መዳኽርቱን ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው፡፡ ሰሙናዊ ጭብጢታቱ ከኣ ከምዚስዕብ ክገልጽ፡

  1. ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ንወሰኽ ደሞዝ ኣመልኪቱ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት “ንፉዓት ኣለይቲ” ክምደቡ፡ ተረርትን ሃንደበታዊ ሕቶታት ምስዘጋጥም፡ ናብ “ዝምለከቶ ኣካል ክነመሓላልፈልኩም“ ተባሂሉ ክዕጾ፡ ብምልዕዓልን ናዕብን ዝጥርጠር ተርእዮታት ብህጹጽ ብናይ ዳሽ መሕበሪ ናብ ስታፋት ስለያ ክሕበር፡ ሕቶን ርእይቶን ምስ ዝበዝሕ “መንግስቲ ብደረጃ ግንባር” ኣኼባታት ንኸካይድ ስለ ዝወጠነ ሽዑ ክለዓል ተባሂሉ ክምለስ፡ “ኣለይቲ መድረኻት ኣብ ኣኼባታት ተመሳሳልቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቐዲሞም ብተወከልቲ ከቕርቡ ምግባር” ዝብል ትሕዝቶታት ዘለዎ እዋናዊ መምርሒታት ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ኩለን ኣዘዝቲ ኣሃዱታት ወሪዱ፡፡
  2. “ምስ ዝተጎሃሃረ ውዲት ክርዕሙ ተኽእሎ ዘለዎምን፡ ስሚዒት ዘሕደሩ ዝተብሃሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ” ተመምዮም ተወሳኺ ገለ ምትዕርራይ ይካየድ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ኣብቶም “ቀንዲ ስሕበት ማእከል ኩናት ኣንጻር ወያነ” ተባሂሎም ዝተፈለዩ ከባቢታት (ከም በዓል ጾሮና፡ ሰንዓፈን ሻምበቆን) ዝርከቡ ኣሃዱታት፡ ምስ ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠዐን ተቓዉሞን ሰራዊት ልዑል ጥንቃቐ ክግበርን፡ ኣብ እዚ ምዕራብ ብር/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ “ብውልቃዊ ምኽንያታት ተደፋፊኡ ኣብ ኣተኣላልያ ሸለል ክብል ወይ ከኣ ከየድምዕ ስለዝኽእል” ብዝብል ብግዚያዊነት ካብ ተወርዋሪ እዚ ብር/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ ሓለቓ ስታፍ ምዕራብ ኮይኑ ክምደብ ተገይሩ ኣሎ፡፡
  3. ኣካላት ስለያ ብፍላይ ከኣ ጨናፍር ስለያ ምክልኻልን ግንባርን ኣብ ኣሃዱታት ዘየድሊ ምትእኽኻባትን ምጉጅጃላትን ከይፍጠር ብዕቱብ ክዓዩ፡ ደሞዝ ከም ኣጀንዳ እንዳተልዓለ ክዝተየሉ ዝደፍኡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብፍላይ ካብ ማእከልነት ብርጌድ ንላዕሊ ዘለው ሓለፍቲ ብደቂቕ ምስ ተግባራቶም ተጸብጺቡ ክለኣኽ ተሓቢሩ፡፡
  4. ኣብ ሰራዊት ዝተፈጠረ ስሚዒታትን ተቓዉሞታትን ናብ ህዝቢ ከይልሕም፡ ብቐንዱ ኣብ ክልተ ጉዳያት ጥንቃቐ ክግበር ተሓቢሩ፡፡ ብመጀመሪያ ደረጃ ጨንፈራት ተቖራጺ ንስድራቤት እቲ ዝተወሰኸ “ወሰ ኽ” (610 ናቕፋ) ከይተደናጎየ ክዕደሎምን ቀጻሊ ምኳኑ ክሕበሮም፡፡ ብተወሳኺ ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ብዘይኣፍልጦ ጨንፈር ቤ/ጽ ህግደፍን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ከይካየድ ብጥብቂ ተሓቢሩ፡፡
  5. ቴሌፎን (ሞባይል) ኣብ ዝጥቀሙ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብዛዕባ ደሞዝ ሓበሬታ ይለዋወጡ ስለ ዘለውን ኣብ ገለ ኣሃዱታት ብመሰጅ “ነቲ ወሰኽ ደሞዝ ኣይንቅበልን” ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ክለዋወጡ ስለዝተረኸቡ፡ ኩለን ኣሃዱታት ናይ ዝኾነ ይኹን ኣባል ብጀካ ኣዘዝቲ ግንባራትን ስታፋት ስለያን ሲም ካርድ ምስ ቆፎኡ ክሕደግ ብፍሊጶስ ህጹጽ መምርሒ ወሪዱ ዛጊት ክትግበር ጀሚሩ ኣሎ፡፡
  6. ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣስመራ፡ ደቂምሓረ፡ ከረንን መንደፈራን ዘለዋ ናይ ኢንተርኔት ካፌታትን ዓበይቲ ሆቴላትን ዝምልከት ድማ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓድሽ ህጹጽ መምርሒ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ኩለን ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ነፍሰወከፍ ተገልጋሊ ኣድራሻን ዝተጠቐመሉ ሰዓትን ብዝርዝር ሰኒደን ክሕዛን መዓልታዊ ነናብ ንኡስ ዞባ ቤ/ጽሕፈት ውሽጣዊ ጸጥታ ከቕርባ፡ ከምኡ እውን ከም በዓል ኢንተርኮንቲኔታል ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሆቴላት ናይ ነፍሰወከፍ ተጠቃሚ ኢንተርኔት ጸብጻብ ብተመሳሳሊ መልክዕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ውሽጣዊ ጸጥታ ከመሓላልፋ ተሓቢሩ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ኢንተርኔት ዝካየድ ዘሎ ምጽንጻናትን ዕቃበታትን ዜጋታትና ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበረ ዝሑል ቀረብ ኢንተርኔት ካልእ ርእሲ ሕማም ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡
  7. ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ኣብ ዝሓዝኦ ከባቢታት ጽዑቕ ናይ ስልቲ ታዕሊማት ብቀጻሊ ከካይዳ፡ ከምኡ እውን ትሕዝቶ ታዕሊም ኣብ ስልቲ ክልተ (ናይ ጸልማት) ከድህብ፡ ብፍላይ ኣብ ኮር መናዕ ተወሳኺ ናይ ሬንጀር ኮርስ ታዕሊም ክካየድ ንኣሃዱታት ፍሊጰስ ኣዚዙ ኣሎ፡፡
  8. ካብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ካብ ህዝብን “ውዱብ ሽርሒን ተቓዉሞታትን” ከየጋጥም ኣብ ሻቕሎት ዝቐነየ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ እቶም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ውሳነታትን መምርሒታትን ብብ/ጀነራል ተስፋሚካኤል ሃብቱ (ሲኒስ) ንዝምራሕ መኮነን ጎስጓስን ሓበሬታን እውን ዝስዕቡ መምርሒታት ሂቡ ኣሎ፡፡
    • ኣቐዲሞም ክወሃቡ ዝጸንሑ ፖለቲካዊን ወትሃደራዊን ኣስተምህሮታት ካብቲ ዝተመደበሎም ሰዓታት (ረፋድ ካብ ሰዓት 08፡30 – 09፡30) ብተወሳኺ ንሓደ ሰዓት ክናዋሕን ሕድሕድ ኣባል ካብ “ሓጺር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ” ክሳብ “ሕግን ሕጋጋት ሰራዊትን” ዘለው መጻሕፍቲ ክንበበሉን መርመራታት ክወሃቦን
    • ካብ ህልው ኩነታት ሃገር ብተወሳኺ ኣብ ህልው ኩነታት ዞባ፡ ኣብ ዝወሃቡ ኣስተምህሮታት እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ፍሉይ ኣድህቦ ክወሃቦም ይግባእ ብምባል ካድራት ብግቡእ ከስርጹ እላቦ፡
  • ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ….ብሰንኪ ግጉይ ምሕ,ደራ ወያነ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሰመ ደረጃ ትሽመም ከምዘላ ቀቢላዊን ዓሌታዊን ኣፈላላያት ዚያዳ ተበኣኢሱ እታ ሃገር ትበታተን ምህላዋን ዜጋታታን ዘዕቖበቶም ካልኦት ዜጋታት ናብ ኤርትራ ናይ ምምጻእ ተርእዮታት ከምዘሎ፡ ካብ ማእከልነት ቦጦሎኒ ንታሕቲ ዘለው ኣባላት ክሕበሮም ብኣንጻሩ ከኣ ዘየድሊ ምዝናይ ኬፍጠር “ወያነ ንውሽጣዊ ጸገማቱ ንምጥምዛዝ ገለ ነገራት ናይ ምግባር ተኽእሎ ስለ ዘለዎ” ብዝብል ንሓልፈቲ ኢንስፔክሽን (ምክትታል ሞራል ሰራዊት፡ ኩነታትን ኣተሓሕዛን ዕጥቅን ድፋዕትን) ድማ ኣብ ግንባራት ብቸሜንቶን ሓጻዊንን ዝተሰነየ ምህናጽ ሓደስቲ ድፋዕትን (ከናለታትን ባንከራትን) ባስካታትን ክድፋአሉ መምርሒታት ወሪዱ ኣሎ፡፡
  • ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብሰንኪ ውሽጣዊ ጸገማቶምን ቁጠባዊ ዝቕባበን፡ እታ ሃገር ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምትርከብ፡ ኣብ ዳርፉርን ደቡብ ሱዳንን ዝነበረ ግርጭት ከም ብሐድሽ ከምዝተልዓለ ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ኢምባሲታትን ቆንስላታትን እንዳኸዱ “ይቕሬታ” ሓቲቶም ይምለሱ ከምዘለው፡ ዝብሉ ጎስጓሳት ምስ እዋናዊ ጽሑፋት ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ብምትእስሳር ከም ኣካል መደባት መኮነን ጎስጓስን ሓበሬታን ቀጻሊ ንቕሓት ሰራዊት ንምብራኽ ተጠናኺሩ ክድፋኣሉ ኣለዎ፡፡ (ይብል)

ክብራት ተኸታተልቲ!!

መሬት ከም ኣፍ ዕንቂ ክትጸቦ ዝጀመረት ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ እውን ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ በቢሰሙኑ ሓደስቲ መምርሒታት ኣብ ኣብ ምውጻእን ምዝርጋሕን ተጸሚዱ ኣሎ፡፡ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ብሓደ ህርመት ክተኣኻኸቡ ዝገበረ “ሓድሽ ምንካይ ደሞዝ” ከኣ ምኽንያት ውዲታትን ጎስጓሳትን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ንዓና ንኤርትራውያን ደሞዝ ወሰኸ ቀነሰ ቀንዲ ሕቶና ኣይኮነን፡፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ ሕቶ ህልውና እዩ፡፡ ኣይተዓደልናን እምበር … ይትረፍ ዶ ምዕራባውያንሲ ህዝብታት ጎረባብቲ ሃገራት እውን “ብጉዳይ ህልውና ዘይኮነስ” ብተራ ወሰኽ ዋጋ ኣስቤዛ ከይተረፈ ከምድላዮም ተቓዉሞታቶም ከስምዑ፡ ንመራሕቶም ክብድሁ ንዕዘብ ኣለና፡፡

ብግዳማዊ ተቓዉሞታት ጥራይ ዝተዓወተ ሰውራ ወይ ከኣ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለዘየልቦ፡ ግዳማዊ ምንቅስቓሳትና ምስ ህልው ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ክነተኣሳስሮ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ሰሙናት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ተቓዉሞታት ኣድማዒ ክኸውን፡ ብሓደ ገጽ ነዞም ተበግሶታት ብኣግኡ ንምቑጻይ ዝካየዱ ህግደፋዊ ውዲታት ብምብርዓን፡ ብካልእ ገጽ ድማ፡ እቲ ንለውጢ ወሳኒ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ሰሚሩ ንጉጅለ ጠላማት ሓመድ ድበ ከልብስ ሎሚ ውን ከም ትማል ብተወፋይነት ክለዓል ኣለዎ፡፡

Leave a comment